እንቋዕ ናብ ሰላምታ ብደሓን መጻእኩም!
እሙን ምንጪኹም ኣብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ካናዳ
ሰላምታ ኢምግሬሽን አገልግሎት ኣብ ካናዳ ዝርከብ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ዝህብ ኩባንያ ክኸውን ከሎ ምስ ድንጋገ ሕጊ ንግዲ ናይ ካናዳ ዝሰማማዕ ኣገልግሎት ንህብ። ቤት ጽሕፈትና ኣብ ከተማ ካልጋሪ፡ ኣውራጃ ኣልበርታ ካናዳ ይርከብ። ወናኒትን ኣካያዲትን ናይዚ ኩባንያ፡ ብናይ ካናዳ ኢምግሬሽን ኣማኸርቲ ዋዕላ ምኽሪ ክትህብ ዝተሾመትን ኣባል ናይዚ ዋዕላ ዝኾነትን (ICCRC - Immigration Consultants of Canada Regulatory Council) ወይዘሮ ሳይን ኣማኑኤል (RCIC) ትበሃል።
ናይ ስራሕ ሰዓታት
ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ ካብ ሰዓት 9፡00 AM - 5፡00 PM
በዓላት፡ ሰኑይን ሰሙን ዕረፍቲን ዕጹው
ወይዘሮ ሳይን ኣማኑኤል ኣብ ጽቡቕ መርገጽ እትርከብ ናይ ካናዳ ኢምግሬሽን ኣማኸርቲ ዋዕላ (ICCRC)ኣባል ስለዝኾነት ንሓደ ሰብ ወኪላ ከተሳልጥን ከተማኽርን፡ ንእትህቦ ኣገልግሎት ዋጋ ከተኽፍልን ብመንግስቲ ካናዳ ዝተሾመት ኣካል እያ።
ሳይን አማኑኤል ከኢሚግሬሽንና ዜግነት ጉዳይ አማካሪዎች ኮሌጅ (ኮሌጅ) ደረጃዋ ወደ ክፍል L3 RCIC-IRB - ያልተገደበ ፕራክቲስ ከፍ መደረጉን የሚያረጋገጥ የባለሥልጣን ደብዳቤ ተሰጥቷታል። የዚህ ፈቃድ ባለቤት እንደመሆኗ መጠን በኢሚግሬሽን፣ ረፊዩጂ እና ዜግነት ካናዳ IRCC (Immigration Refugees & Citizenship Canada) እንዲሁም በአራቱ የካናዳ ኢሚግሬሽን ስደተኛ ቦርድ ተቋማት (IRB - Immigration and Refugee Board of Canada) ማለትም፤
-
ክፍሊ ኢሚግሬሽን (Immigration Division - ID)
-
ክፍሊ ይግባይ ኢሚግሬሽን (Immigration Appeal Division - IAD)
-
ስደተኛ ጥበቃ ክፍል (Refugee Protection Division - RPD) እና
-
ስደተኞች ይግባኝ ክፍል (Refugee Appeal Division - RAD)
ያለገደብ ደበኞቿን ወክላ ለመቅረብ ትችላለች ማለት ነው።
ብመሰረት ናይ ካናዳ ሕጊ/ቢል C-35፡ ገንዘብ ዘኽፍል ናይ ኢምግሬሽን ኣገልገሎት ክህቡ ዝኽእሉ ሰባት ኦቶራይዝድ ረፕረዘንታቲቭ (Authorized Representative) ብመንግስቲ ዝተመዘዙ ክኾኑ ይግባእ። እዚ ማለት ኸኣ
-
ኣብ ጽቡቕ መርገጽ ዝርከቡ ናይ ካናዳ ኢምግሬሽን ኣማኸርቲ ዋዕላ ኣባል፣
-
ፕሮቪንሺያል/ተሪቶሪያል ናይ ጠበቓታት ማሕበር ኣባል፣
-
ናይ ኩቤክ ኖታሪ ማሕበር Chambre des notaires du Quebec ኣባል ዝኾኑ
-
ኣብ ኦንታሪዮ ፓራሊጋልስ (ተሓጋገዝቲ ሕጊ)
ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምንባብ ኣብዚ ጽቀጡ። ናይ ካናዳ ሕጊ/ቢል C-35 ብኹሉ (Bill C-35: An Act to amend the Immigration and Refugee Protection Act click) ንምንባብ ኣብዚ ጽቀጡ።
ብዛዕባ ሳይን አማኑኤል
ግዝያዊ ነባሪ
ግዝያዊ ነባሪ ማለት ንግዚያዊ ዕላማታት ከም በጻሒ፣ ተማሃራይ፣ ሰራሕተኛ ወይ ግዝያዊ ነባሪ ወናኒ ኣብ ካናዳ ክኣቱን ክጸንሕን ብሕጋዊ መንገዲ ፍቓድ ዘለዎ ናይ ወጻኢ ዜጋ እዩ። ኣብ ካናዳ ብኣካል ዝርከቡ ወጻእተኛታት ዜጋታት ጥራይ እዮም ግዝያዊ ነባሪ ደረጃ ዘለዎም።
ቀዋሚ ነባሪ
ቀዋሚ ነባሪ ማለት ናብ ካናዳ ብምስዳድ ቀዋሚ ነባሪ ደረጃ ዝተዋህቦ ግን ከኣ ካናዳዊ ዜጋ ዘይኮነ ሰብ እዩ። ቀወምቲ ነበርቲ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት እዮም።
ትምህርቲ ኣብ ካናዳ
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት ተማሃሮ ካናዳ ከም መዕለቢ ትምህርቶም ይመርጹ። ካናዳ ብጽሬት ትምህርቲ ትፍለጥ። ካናዳዊ ዲግሪ/ዲፕሎማ ኣብ መላእ ዓለም ዋጋ ኣለዎ። ኣብ ካናዳ ምምሃር እውን ናብ ዝተፈላለዩ መደባት ቀዋሚ መንበሪ ዝወስድ መንገዲ እዩ።
ስደተኛታት ኢሚግሬሽን
ካናዳ ብተነጻጻሪ ክፉትን ጽቡቕ ምቁጽጻር ዘለዎን ስርዓተ ኢሚግሬሽን ስለዘለዋ፡ ላዕለዋይ መዳረጊ ስደተኛታትን ስደተኛታትን ኮይና ኣላ። ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን ንስደተኛታት ብምቕባልን ንብዙሕ ባህልታት ዋጋ ብምሃብን ዝና ሃኒጹ እዩ።
ካልእ ኣገልግሎታት
ናይ ቪዛ መመልከቲ ደገፍ፣ ሕጋዊ ምምኽኻር፣ ናይ ሰነድ ሓገዝ፣ ኣብ መስርሕ ምስማዕን ይግባይን ውክልና፣ ከምኡ እውን ኣብ መንበሪን ዜግነትን መመልከቲታት መምርሒ ምሃብ።
የትምህርት እና ሞያዊ የስራ ልምምዶች
ወ/ሮ ሳይን አማኑኤል ከም ኣአንጋዲት፣ ተርጓሚትን ኣብ ቅጥዕታት ኢሚግሬሽን ኣብ ምሕጋዝን ብወለንታ ናይ ልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ተመኩሮ ኣጥሪየን፤ ምስ ዝተፈላለየ ብሄር ዘለዎም ዓማዊል ስደተኛታትን ተወለድቲ ካናዳውያንን ምዕያይ።
ብብዙሓት ስደተኛታት፣ ደለይቲ ዑቕባ ፣ ናብ ካናዳ ብእተፈላለየ መንገዲ ዝመጹ ሰባት እያ እትፈልጥ።
ኣብ 2016 ናይ ኢምግሬሽን ኮንሳልታንት (ኣማኻሪት) ብምኳን ዲፕሎማ ምሓዛ፡ ናይ ካናዳ ኢምግሬሽን መስርሕ ብግቡእ ንምርዳእ ስለዝሓገዛ፡ ሓደ ሰብ ናብ ካናዳ ክመጸሉ ዝኽእለሉ ልዕሊ 60 ዝኩኑ መገድታት ብዝምልከት ጽቡቅ ኣፍልጦ ኣለዋ።
ወይዘሮ ሳይን ኣማኑኤል ካብ 2016 ጀሚራ ረጉሌትድ ናይ ኢምግሬሽን ኮንሳልታንት (ኣማኻሪት) ንምዃን ሕጋዊ ፍቃድ ብምርካብ ኣብ ምስራሕ ትርከብ።
የትምህርት ማስረጃዎች:
-
ናይኢሚግሬሽን ኮንሰልታንት - ዲፕሎማ (Ashton College)
-
ናይ ስደተኛ ስፖንሰርሺፕ ስልጠና - ሰርተፊኬት - (RSTP)
-
ናይቃለ ማሕላ በዓልቲ መዚ - ሰርተፊኬት (Commissioner of Oaths)
-
ኖታሪ ፐብሊክ ብአልበርታ ንአልበርታ - Notary Public in and for Alberta
የፈቃደኛ አገልግሎት:
-
Board of Directors at International Ave BRZ, Calgary (2019-Current)
-
CIWA (ካልጋሪ፣ አልበርታ) 2008 - 2011
-
SISO (ሃሚልተን፣ ኦንታሪዮ) 2003 -2006
-
New Comers ( ሴይንት ጆን፣ ኒውብረንስዊክ) 2001 – 2003
ተወሳኺ ሓበሬታታትን
ሓደ ስደተኛ ብውልቂ ክምወል ዝኽእለሉ ሰለስተ መገድታት
-
ጉጅለ 5 - ዝኾነ ሓሙሽተ ካናዳውያን ዜጋታት ወይ ቀወምቲ ነበርቲ ኣብ ሓንቲ ከተማ ዝነብሩን ነቲ ስደተኛ ወይ ስደተኛ ስድራቤት ንሓደ ዓመት ናይ ምድጋፍ ገንዘባዊ ዓቕሚ ዘለዎምን። *
-
ኮምዩኒቲ ስፖንሰር - ዝኾነ ምዝጉብ ካናዳዊ ትካል ወይ ንግዲ፡ ዝተመስረተ ይኹን ዘይተመስረተ፡ ንሓደ ዓመት ነቲ ስደተኛ ወይ ስደተኛ ስድራቤት ብገንዘብ ናይ ምድጋፍ ዓቕሚ ዘለዎ። *
-
ሳህ Sponsorship Agreement Holder - ሳህ ምስ መንግስቲ ካናዳ ወግዓዊ ስምምዕ ፈሪሙ ንስደተኛታት ስፖንሰር ክገብሩ ዘኽእሎም ዝተመስረተ ትካል እዩ። #
መተሓሳሰቢ:
-
*ጉጅለ 5 እና ኮምዩኒቲ ስፖንሰራት ወይ ብUNHCR፡ ወይ ብከባብያዊ መንግስቲ ከም ስደተኛታት ብወግዒ ኣፍልጦ ዝረኸቡ ስደተኛታት ጥራይ እዮም ስፖንሰር ክገብሩ ዝፍቀደሎም።
-
#SAHሳህ ኣብ "ስደተኛ ዝመስል ኩነታት" "refugee-like situation" ንዝርከቡ ውልቀሰባት ስፖንሰር ክገብር ይኽእል እዩ።
-
ሓደ ስደተኛ ብሓባር ክፈርም ማሕበረሰብ ሳህ እንተዘይረኺቡ ብሓደ ሰብ ብውልቂ ናብ ካናዳ ክምወል ኣይክእልን እዩ።
-
ስደተኛታት ስፖንሰር ንምግባር ክልተ ተወሳኺ መንገድታት ኣለዉ፤
-
Blended Visa Office-Referred (BVOR) Program and
-
Joint Assistance Sponsorship (JAS) Program. ብዛዕባ እዚኦም ዝያዳ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።
*ኣስተውዕሉ: ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሰላምታ ኣብ ካናዳ ንዝርከብ ሰብ ወይ ጉጅለ ሰባት ንስፖንሰርሺፕ ክረኽበካ ኣይክእልን እዩ።
-
ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ካናዳ ክቕመጡ ከለዉ ንምድጋፍ ዝሕግዙ ምስ መንግስቲ ካናዳ ናይ ስፖንሰርሺፕ ስምምዓት ዝፈረሙ ትካላት።
-
ንስደተኛታት ባዕሎም ስፖንሰር ክገብሩ ይኽእሉ ወይ ድማ ምስ ካልኦት ኣብቲ ማሕበረሰብ ኮይኖም ንስደተኛታት ስፖንሰር ክገብሩ ይኽእሉ።
-
መብዛሕትኦም ወነንቲ ስምምዕ ስፖንሰርሺፕ ሃይማኖታዊ፣ ብሄራዊ፣ ማሕበረሰባዊ ወይ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት እዮም።
ስለምንታይ ኣገልግሎት ምኽሪ ኢሚግሬሽን ከድልየካ ከም ዝኽእል ክትፈልጥ ትደሊ ዲኻ?
ወነንቲ ስምምዕ ስፖንሰር (SAH) መን እዮም?
ኤክስፕረስ ኤንትሪ እንታይ እዩ?
ኤክስፕረስ ኤንትሪ (EE) ኣብ ትሕቲ እዞም ዝስዕቡ መደባት ኢሚግሬሽን ንመመልከቲታት ቀዋሚ መንበሪ (PR) ንምምሕዳር ዝሕግዝ ኤሌክትሮኒካዊ ስርዓት ኮይኑ፡ ብኢሚግሬሽን፡ ስደተኛታትን ዜግነትን ካናዳ (IRCC) ዝካየድ፤
ናይ ካናዳ ተመኩሮ ክፍሊ (Canadian Experience Class - CEC)
ፕሮግራም ክኢላታት ሰራሕተኛ ፌደራል (Federal Skilled Worker Program - FWSP)
ፕሮግራም ክኢላታት ሞያታት ፌደራል (Federal Skilled Trades Program - FSTP)
ንኸመልክት ብቑዕ ድየ?
ኣብ ውሕሉል ሞያ ናይ ስራሕ ተመኩሮ ኣለካ ድዩ?
ናይ ቋንቋ ፈተና ወዲእካ ዲኻ?
(ኣብዚ ብምጥዋቕ ነቲ ናይ ገምጋም ቅጥዒ ምልእዎ እሞ ንምምልካት ብቑዕ እንተኾይንኩም ክንመኽረኩም ኢና።)
ስርዓት ነጥቢ ብኸመይ ይሰርሕ?
ኣብዚ መሰረት ብምግባር ነጥቢ ክምደበልኩም እዩ፤
ዕድመ፡ ትምህርቲ፡ ቋንቋ፡ ናይ ስራሕ ተመኩሮ፡ ክእለት፡ ከምኡ’ውን ናይ ስራሕ ምቕራብ።
ብሓፈሻ ከመይ ይሰርሕ?
1ይ ደረጃ - ፕሮፋይልካ ንፍጠር
(ድሕሪ ምፍጣርካ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ እዩ።)
ሓበሬታኻ ናብ EE ፑል ይኣቱ
2ይ ደረጃ - ኣብ ዝተዓደምካሉ እዋን ኣመልክት።
(ካብታ Invitation To Apply (ITA) ዝረኸብካላ ዕለት ጀሚርካ መመልከቲኻ ንምቕራብ 60 መዓልታት ኣለካ)
ኤክስፕሬስ ኢንትሪ (EE)