top of page
ንቐዋሚ ነባርነት ዘእቱዉ ቀንዲ መንገድታት
ንግዜያዊ ነባርነት ዘእቱዉ ቀንዲ መንገድታት
Tigrinya temp
Tigrinya Permanent
ስደተኛ ብውልቂ ስፖንሰር ንኽግበር ዘድልዮ
Tigrinya Refugee
ብዛዕባና
ድሕሪ ባይታ/ኣብዚ ሞያዚ ዘሎና ተሞክሮ

ሰላምታ ኢምግሬሽን አገልግሎት ኣብ ካናዳ ዝርከብ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ዝህብ ኩባንያ ክኸውን ከሎ ምስ ድንጋገ ሕጊ ንግዲ ናይ ካናዳ ዝሰማማዕ ኣገልግሎት ንህብ። ቤት ጽሕፈትና ኣብ ከተማ ካልጋሪ፡ ኣውራጃ ኣልበርታ ካናዳ ይርከብ። ወናኒትን ኣካያዲትን ናይዚ ኩባንያ፡ ብናይ ካናዳ ኢምግሬሽን ኣማኸርቲ ዋዕላ ምኽሪ ክትህብ ዝተሾመትን ኣባል ናይዚ ዋዕላ ዝኾነትን (ICCRC - Immigration Consultants of Canada Regulatory Council) ወይዘሮ ሳይን ኣማኑኤል (RCIC) ትበሃል።

ወይዘሮ ሳይን ኣማኑኤል ኣብ ጽቡቕ መርገጽ እትርከብ ናይ ካናዳ ኢምግሬሽን ኣማኸርቲ ዋዕላ (ICCRC)ኣባል ስለዝኾነት ንሓደ ሰብ ወኪላ ከተሳልጥን ከተማኽርን፡ ንእትህቦ ኣገልግሎት ዋጋ ከተኽፍልን ብመንግስቲ ካናዳ ዝተሾመት ኣካል እያ።

ብመሰረት ናይ ካናዳ ሕጊ/ቢል C-35፡ ገንዘብ ዘኽፍል ናይ ኢምግሬሽን ኣገልገሎት ክህቡ ዝኽእሉ ሰባት፡ብመንግስቲ ዝተመዘዙ ክኾኑ ይግባእ። እዚ ማለት ኸኣ

  • ኣብ ጽቡቕ መርገጽ ዝርከቡ ናይ ካናዳ ኢምግሬሽን ኣማኸርቲ ዋዕላ ኣባል፣

  • ናይ ጠበቓታት ማሕበር ኣባል፣

  • ናይ ኩቤክ ኖታሪ ማሕበር ኣባል ዝኾኑ ጥራሕ እዮም።

 

ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምንባብ ኣብዚ ጽቀጡ። ናይ ካናዳ ሕጊ/ቢል C-35 ብኹሉ (Bill C-35: An Act to amend the Immigration and Refugee Protection Act click) ንምንባብ ኣብዚ ጽቀጡ።

ሳይን ኣማኑኤል ኣብ ናይ ምቅባልን ምልማድን ኣጋይሽ፣ ናይ ትርጉም፣ ብነጻ ሓገዝ ኣብ ዝህቡ ውድባት ወለንተኛ ሰራሕተኛ ብምኳን ናይ ልዕሊ 16 ዓመታት ተሞክሮ ኣለዋ።

 

ብብዙሓት ስደተኛታት፣ ደለይቲ ዑቕባ ፣ ናብ ካናዳ ብእተፈላለየ መንገዲ ዝመጹ ሰባት እያ እትፈልጥ።

ኣብ 2016 ናይ ኢምግሬሽን ኮንሳልታንት (ኣማኻሪት) ብምኳን ዲፕሎማ ምሓዛ፡ ናይ ካናዳ ኢምግሬሽን መስርሕ ብግቡእ ንምርዳእ ስለዝሓገዛ፡ ሓደ ሰብ ናብ ካናዳ ክመጸሉ ዝኽእለሉ ልዕሊ 60 ዝኩኑ መገድታት ብዝምልከት ጽቡቅ ኣፍልጦ ኣለዋ።

ወይዘሮ ሳይን ኣማኑኤል ካብ 2016 ጀሚራ ረጉሌትድ ናይ ኢምግሬሽን ኮንሳልታንት (ኣማኻሪት) ንምዃን ሕጋዊ ፍቃድ ብምርካብ ኣብ ምስራሕ ትርከብ።

 

ሽልማታት:

  • ናይኢሚግሬሽን ኮንሰልታንት - ዲፕሎማ (Ashton College)

  • ናይ ስደተኛ ስፖንሰርሺፕ ስልጠና  - ሰርተፊኬት -(RSTP)

  • ናይቃለ ማሕላ በዓልቲ መዚ - ሰርተፊኬት (Commissioner of Oaths)

ወለንተኛ ኣገልግሎት:

  • Board of Directors at International Ave BRZ, Calgary (2019-Current) 

  • CIWA (ካልጋሪ፣ አልበርታ) 2008 - 2011

  • SISO (ሃሚልተን፣ ኦንታሪዮ) 2003 -2006

  • New Comers (ሴይንት ጆን፣ ኒውብረንስዊክ) 2001 – 2003

Syn Amanuel

+1 (587) 707-2989

+1 (403) 800-9850

Fax +1 (888) 927-1883

info@selamtaimmigration.com

Office hour 

Tuesday          9 am – 5 pm

Wednesday     9 am – 5 pm

Thursday        9 am – 5 pm

Friday              9 am – 1 pm

 

Monday, Saturday, Sunday and Statutory holidays -  Closed

ሳይን ኣማኑኤል
Syn Amanuel

ናይ ኢምግሬሽን ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ስለምንታይ ከምዘድልየኩም?

በዚ ዝስዕብ መንገዲ ክትረኽቡና ትኽእሉ​

 

ስልኪ: +1(587) 707-2989 - Cell

        +1(403) 800-9850 - Land line

        +1(888) 927-1883 - Fax

ኢሜይል: info@selamtaimmigration.com

ስዓቡና:

 

ናይ መጻኢ መደብኩም ንምስላጥ ኣብ እትገብርዎ ጻዕሪ ክንሕግዘኩም ድሉዋት ኢና።

  • Facebook Social Icon
  • LinkedIn Social Icon
  • Selamta YouTube Channel
Anchor 1
bottom of page